20‏/05‏/2012

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ!!!

ካበይ ኣፈጣጥርኡን!!!?
እንታይ ዕላማኡን-ተረድኦይን!?

ብግርማይ ኪዳነ(ወዲ ፍሊፖ)
ሚላኖ-ኢጣልያ 18-05-2012

"ክትብዳህ ዘይትካኣል ሓቂ"
ክቡራት ክቡራን!!!

እዛ ሎሚ ዘመሓላልፉ ዘሎኹ ጽሕፍተይ ትመሳሰላ ጽሑፍ ኣቕሪበ ምንባረይ እኳ ዝዝከር እንተኾነ ዘሎናዮ መሪር እዋንን "ውርሻ ጽንዓት" ኣቦታትና "ስኣን" ነትክል የዋሃት ሙዃንን ብበብግዚኡ በብእዋኑ ዝቕልቀሉ ሓለምትን ጠላማትን ተዋሒጥና ብስኣን
(ብሰንኪ) ዘይምምካቶም ኣቲናዮ (ተደቕዲቕናዮ) ዘሎና "ህሞት "ካበይ እዩ መንቀሊኡ (መበገሲኡ)? ኢልና ምስ እንመራመር ጥራሕ እዩ ቅሂሙ ዘሎ መንነትና ብዝያዳ" ከባርዖን" ድምጺ!" ክህቦን "ዘኽእል ኣሰራርሓ ክንምህዝ ዘኽእለና፣ለባማት መሃርቲ ኣቦታት ኣብቲ "ዘመነ እምኒ" ዝበሃለሉ ጥራዝ ብርዒ ኣብዘይነበረሉ "ብብሂል" ክምህሩ እንከለዉ "ፍረ" ከም" ኣዘራርኡኡ" ውጽኢቱ ከም "ኣኮሳኹስኡ" ዝበልዎ ኣብ ዓለም ንኹሉ መጀመርያ ስለ ዘለዎ እቲ መጀመርያ ምስ ግዜኡ ኣብ መብጽሒኡ ስለ ዘዝግብ ኣብቲ ኣኮሳኹሳኡ (ኣካይድኡ) ባህርያት ዓለም በብግዜ መምስ ግዜ ስለ ዝቀያየር ኣብቲ መቐይሮታት ነቲ መጀመርያ ኣብ ጽቡቕ መወዳእታ ከተብጽሖ እንተድኣ ኴንካ "ነቲ ጉዕዞ" ከተጸባብቖ ኣብ ዘየድልይ ዕንቅፋታት ንኸይዕንቀፍ ኽትጥንቀቐሉ ናይ ግድን እዩ እሞ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልስታት ብዙሕ ራኢታት ቡዙሕ ስዉር ሕልኽልኻት ክህልው ስለዝኽእል መበገሲ እሞ ዘክር ንዑኡ ተኸቲልካ ናብቲ ዝተበገሶ ንኽበጽሕ ዋልታ ኽትኮኖ ሓላፍነትካ እዩ።

ናህዳ!!! ማለት ትንሳኤ እዩ። እዚ ኣምር እዚ ኸኣ በብሸነኹ ብብእምነቱ ፍጡር ወዲ ዓለም ዝጥቀመሉ ዝኸብረሉ እዩ። እዚ "መሪሕ" ናብራ ዓለም ንህልዋን "ተንስእ" ዝብሎም ካብ ለሚሶሙዎ ዘለዉ ክትንስኡ ዊንታኦም ከርውዩ (ከማልኡ) ዝጽዉዕ ስለዝኾነ ኣብ ኩሉ ዓለም በብቛንቁኡ ዝጽዋዕ ጻውዒት እዩ።

ኣብ ኤርትራ....!!!

ንኤርትራውያን ሓዲሽ መጸውዕ ኣይኮነን ጀብሃ! ሓረካ! ሰውራ! ማለት" ካብ ናህዳ" ዝላዓል መጸውዕ እዩ፣ እዚ መጸውዕ እዚ እንተዘይጽዉዕ እቲ ቃልሲ ዝበሃል ኣይምሃለወን ኣይምስተጸወዔን ከኣ።

እቲ ሓቂ እዚ ኾይኑ...!!!

እቲ ሕጂ ባይታ ስኢኑ ሓንሳብ እዚ ሓንሳብ እቲ እናተባሃለ" መወርዘይ ኣፍ ፈላስፋውያን" ኮይኑ ዘሎ ወፍሪ ተቓውሞና ኣብ ሓደ "ጥርኑፍ ናህዳዊ" ዘይተጠምረ በብመሽጎራጉሩ ፋሕ ጭንግራሕ እናበለ ኣብ ፍንጭራዕን ነንሕድሕድካ ምብላዕን ኣብጺሑ "ሃውቲቱ ዘሄውትት" ዘሎ ነዚ ቅዱስ ኣምር ልክዕ ትርጉሙ ንምሃብ ሕንኩሊታት ስለ ዝበዝሔ ገለጻ ስለ ዘይተዋህቦ እዩ።

ንብዙሓት የዋሃት....!

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብመሰረት ኤርትራውነት "ደቀባት" ብሄር ጀበርቲ ስለ ዝተመስረተን ዝተሳዕበን ከም ፍሉይ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ ገይሮም ይወስድዎ እዮም እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ክሳዕ ልክዕ ትርጉሙ "ሓባራዊ መብርሂ" ተዋሂቡ ዘነጸርናዮ "ጀብሃ" ሰውራ ቛንቋ "ዓረብ" ኮይኑ ውዲታውያን ገበትቲ ንቃልሲ ኤርትራ ከም "ዓረባዊ እስላማዊ" ቃልሲ ገይሮም ክገልጽዎ ዝጥቀሙሉ ዝነበረ "ጸለመ" እሞ ክሳዕ ሓቅነቱ ኣሚንና ኣብ ደምበ ግንባር ቃልስና እንዋሳእ ኣጠራጣሪ ኮይኑ ዝነበረ እሞ ተረዲእና ዝዓገብናሉ ሕጂ ኸኣ ብጽፉፍ ተረድኦ ንምርዳእ ከብቅዓና ስለዘለዎ እዚ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ።

ሰልፊ ትንሳኤ ኤርትራ.....!!!

ማለት ኮይኑ ሓባራዊ ረብሓ ኤርትራውያን ንትንሳኤ ዝጽውዕ ሙዃኑ ብድምቀት ጸሓይ በሪሁ ንጸልማት ኣብሪሁ ዘረጋግጽ እዩ። እዚ ናይ ኤርትራ ትንሳኤ ዝጽውዕ ሰልፊ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘመነ መግዛእቲ እንግሊዝ ኣትሒዙ ኤርትራዊ "ተንስእ" ንነጻነትካ ጻዋዒቱ ብድሙቕ ዘስመዔ ታሪኹ ከም ዝምስክሮ ኣሕጽር ኣሕጽር ኣቢለ ዓቕመይ ዝፈልጦ ክሕብር።

ኣብ መጀመርያ ኣርባዓታት...!!!

ንእዛ ብሄራታ "ኣወሃሂዳ" ምእመናታት "ኣተኣናጊዳ" ብፍቕርን ስኒትን ሕግን ፍትሕን ከቢራ ኣከባቢራ ትነብር ዝነበረት ኤርትራ ሃገርና ንውጥን መስፋሕፋሕቲ ግብትና ተጻባኢቶም (ተቓዋሚቶም) ኮይና ዘለለዩዋ ኣብ ክልተ መቒሎም ክብንጥስዋ ኣብ ዝሓለኑ ናይ ነብይ መሓመድ (ልኡኽ ምስልምና) ፈለምቲ ተልእኾ መሓመዳውያን ብጀበርቲ (ቅቡላት) ዝፍለጡ ተልእኾኦም ኣብ ምፍጻም ኣብ ኤርትራ ከበሳን መታሕትን ተቐበልቶም ተቐባእቶም (ሰለምቶም) ኣስፋሕፊሖም ስለዝነበሩ እቲ ንምብታን ኤርትራውያን ሃገር ኣብ ክልተ መቒልካ ምሕቃቕን ዝተወጠነ ውዲት ተቢዖም ንምቅዋም ምስ ኣሕዋቶም መማስሕቲ መሬቶም ኣመንቲ ክርስትና ጥቕመ ድሕነት ሃገር ተሰማሚዖም ሓበራዊ መጸውዕ ጥምረት ኤርትራውነት ናጽነት (Blocco Indipendenza) ኤርትራ ንኤርትራውያንን ዘብጽሕ ንእቶም ኣብ መታሕት ኤርትራ ዝርከቡ ኤርትራውያን "ኣመንቲ ምስልምና" ብምእመና ኣዘንጊዖም "ምስ ሱዳን ከየዕርድዎም" ኤርትራውነቶም ከይምንዝዕዎም ተባሂሉ ንእቲ ሃይማኖታዊ ርኽክብ ደረት ንኽግበረሉ ራቢጣ ኣልኢስላምያ ኤርትርያ ጭርሖ ኣልዒሎም ንድሕነት ሓድነት ኤርትራውያን ኣበጊሶም ሳላ እቲ ናህዳዊ (ትንሳኤዊ) ምንቅስቓስ ኤርትራ ብጥምርታ ተሪፉ።

እዚ ቅዱስ ኣስተዋጽኦ እዚ ዝተበገስሉ ዝሰመሩሉ ኣቦታት "ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን" ተኣኪቦም "ዝተሰማምዑሉ" ኣብ ኣስመራ እንዳ ፊተውራሪ (ኣብራር) ኣበራ ሓጎስ "ብሆቴል ሉል ቀይሕ ባሕሪ" ዝዝከር" ሎሚ እዞም ዓዲ ዓውዲ ኣልቦ "ስሙ ደምሲሶሙዎ ኸይኮኑ እምበር "ጎደና ሰራየ ዝጽዋዕ ዝነበረ" ዝርከብ ህቡብን ፍሉጥን ሆቴል እዩ።

ኣብ መጀመርያ ሓምሳታት....!!!1954

ንእቲ መጭወይና እተመደበ ጭውየት ኣቐዲሞም ዘስተብሃሉሉ ኣቦታት ስዉር ምክልኻል ፖሎቲካዊ ምንቅስቓስ ሓዘል ብውሻጠ ርኽክብ ምትግባርን ምርኻብን ክጥዕም ናዲ (ክበብ) "ብሄረ ጀበርቲ" ኢሎም ብድሕሪ "መስጊድ ጃምዕ" (መስጊድ ዓቢ) ዝርከብ "ብሜዳ ኣቡነ ጴጥሮስ" ዝዝከር ከፊቶም ንኣገባብ ፈደሬሽን ብምክትታል ነቲ ካብኡ ተጠኒሱ ዝተወለደ ዘረክብናሉ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ "ሓራካ "ማሕበር ሸውዓተ ገድሊ ኤርትራ ዝወለደ መሰረት እዩ።

እቲ ትውልዲ እዚ ኸኣ ንእቲ ኣወንታዊ ልዑላዊ ዕላማ ናጽነት ዕንቅፋት ተባሂሉ ኣብ መወዳእታ ኣርበዓታት ክሳዕ መጀመርያ ሓምሳታት ዝተኣታተወ ኣስካሕካሒ ፈናቓሊ ሕውነትን ሓድነትን ኤርትራውያን ብሃይማኖታዊ ምስባባት ኣዕናውነቱ ፈሊጡ ንእቲ ማሕላ ኣቦታት ልክዑን መልክዑን ሒዙ "ሃይማኖት ናይ ግሊ ሃገር ከኣ ናይ ኩሉ ክብሪ "ኣሚኑ! ኣእሚኑ! ኣንጻር ባዕዳውያን! ገዛእትን መሻርኽቶምን! ህዝቢ ዘለዓዓለ ክሳዕ "ኤርትራ ወይ ሞት" እወ:: ንናጽነት! እምቢ! ንባርነት:: ኢሉ! ካብ "ሲቪላዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ" ኣብ "ብረታዊ ዕጥቂ" ዘሰጋገረ ቅዱስ ዕላማ እዩ።

ኣብ1968......

ሰውራ ኤርትራ ብሰንኪ" ሓለምቲ ራእስነት" ተበለጽቲ ባእታታት ዝተኣታተወ ቅልውላው ንሂሩ ኣብ በተነ ገድሊ ክሕምብስ እንከሎ ጻዕሪ ኣቦታት መስዋእቲ ስዉኣት ብዕማኾ ተበለጽቲ ተበቲኑ ንኸይ ዝረግ! "ጌጋታት" ተኣሪሙ ኣብ ውሕደት ሓድነትን" ዓሊሙ" ግቡእ መኽፈልቲ ሃገር ክኽፈል ምትብባዕን ንጽገናዊ ስርርዕ ምጽዋዕን ተባሂሉ እዚ ሎሚ "ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ" ተጸዊዑ ዝቃለስ ዘሎ ውድብ እዩ።

ክቡራት ክቡራን.....!!!

እዚ ታርኻዊ መሰረት እዚ ሃብቲ ውሱናት ሰባት! ሃይማኖት! ብሄር! ... ዘይኮነ" ሃብቲ ኩሉ" ብመንነቱ ዝተኣማመን ኤርትራዊ ከምዝኾነ "ብእተበድሄ እንተተበደሄ" ክምህ ወይ ስጋእ ዝብል ስለ ዘይኮነ እታ ኤርትራውያን "እንኮ እንኣምነሉ" (ትንሳኤ ናህዳ ኤርትራ) ናይ ኤርትራውያን ድኣ እምበር "ብመጸዉዕ "ቋንቋ ተቐባኢ ተለካዒ ከምዘይኮነ ክቐብኦ ክልክዖ ዝፍትን ከኣ: ወይልኡ!!!

እዚ ትንሳኤ እዚ.....!!!

ታሪኽ ሓዘል ስለ ዝኾነ ታሪኽ ከኣ ሃብቲ ሃገር ስለ ዝኾነ ንተበለጽቲ ኣንደላሓቕቲ "መርዓዲኦም "ጥራሕ ዘይኮነ ናይ "መንነት ቅልውላዎም" ቀላዒኦምን ውሻጠ ስዉር ዕላማኦም "ፈዳሒኦምን" ስለ ዝኾነ ኣብቲ ዘይተኣደነ ብኸመይ ሃገራዊ ምሕደራ "ይዳነ" ኣገባባት ንኸይቅጣዕ "መራዕውቲ ከይሓዛ መርዓ ይቋጸራ!" ከምዝበሃል ተበጺሑ ዘሎ ካብ ኣእዳው ሸፋቱ ህ.... ብኸመይ መጭወይትኻን ዋንነትካን መንዚዕካ! "ተትክል" ከይሓንጸጹ ሓሶታቶም እናሓናፈጹ ዝቀላለጹ ተበለጽቲ ባይታ ስለ ዘይህቦም ኣሎ ዝበሃል "ኢንታ ሚንታ" ከጠቕሩ ፈተነታት ክገብሩ ህዝቢ ኤርትራ "ከሳውሩ" ዝውጥምጠሙ ስለ ዘለዉ ኸኣ ዋልታኡ ንሕና ብመንነትና ብታሪኽና እንተኣማመን ሙዃንና ነቕ ዘይብል እምነትና እዩ።

ኤርትራዊ!!!

"ካብዚ ቅዱስ ውድብ ሰልፊ ትንሳኤ ኤርትራ ናህዳ ረብሓኡ"

1.              ሓድነት የረጋግጽ!!!
2.             ልዑላውነት የረጋግጽ!!!
3.             መሰረት ኤርትራውነቱ የጋልጽ!!!
4.             መሰል ልክዕ ቱርጉም የረጋግጽ!!!
5.             ንፈላለይቲ ተበለጽቲ የንፍጽ!!!
6.             እምነት ዋንነትካ የረጋግጽ!!!
7.             ንምቅሕሓር ምብድዳል የንፍጽ!!!
8.             ስኒት ፍቕሪ ሕጊ ፍትሒ ኣብ ሓደ ይሃንጽ!!!

ክቡራት ክቡራን..! ናይ ሎሚ ጽሕፍተይ ብትዕግስቲ ንምንባባ ግዜኹም ዝወፈኹሞ እናመስገንኩ ንእቲ ገሊጸዮ ዘለኹ ሓበሬታ ዘይበራሃሉ እንተሎ!? ከብርህ ቅርቡነተይ እናወፈኹ: ንመግለጺየይ ኣሉታ ክህቡ ዝፍትኑ "ኣብ ቃልዕ" ወጺኦም ክብድሁ" እናተጸበኹ" እቲ ኣነ ዝፈልጦን እዩ ዝብሎን "ናህዳ" እዚ ሙዃኑ እናመስከርኩ ኣይኮነን ዝበሃል እንተኾይኑ ኸኣ ብዝምልከቶም ይገለጽ።

ሰናይ ቅነ!!!!!!

ليست هناك تعليقات: