15‏/11‏/2011

ቕልዕቲ ደብዳበ ናብ ሓው ተኽለሰንበት ተኽላይ ኮሚሽነር ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ

ከተማ ቦን ፡ ሃገረ ጀርመን
    
     ጉዳይ፡ ተራ ኮሚሽነር ኣብ ንጥፈታት ጨንፈር ስዊዝ
ፈለማሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ - ጨንፈር  ስዊዝ፡  አብ ሂወትካ ጥዕና፡ ኣብ ስራሕካ ድማ ኣሳልጦ ትምነ፡፡
ካብዚ ብምቕጻል፡ ንኣንብብቲ ናይዚ ንሰዶ ዘሎና ጽሑፍ ከነብርሆ እንደሊ፡ እዚ ደበዳበ ብቐንዱ ንሓው ኮሚሽነር ተኽለሰንበት ተኽላይ ዝቐንዐ ይኹን ደአምበር፡ ንአቦ መንበር ሃገራዊ ኮሚሽን፡ ሓው አምሃ ዶመኒኮ እዉን፡ ዝምልከት ሙኻኑ ኢዩ፡፡ ጎድኒ ጎድኒ እዚ ድማ፡ እታ ሽማግለ ነዚ ትጽሕፎ ዘላ፡ ነዘን  ዚስዕባ ክልተ ዕላማታት ንምዉቓዕ፡ ስለ ዝሃቀነት ኢዩ፡፡
1. ነቲ ኣብ ስርሓ ዘጋጠማ ሽግራት፡ ብዓቕሊ ንምፍታሕ፡ ብወገን እታ ሽማግለ ዝተገብረ ጻዕሪ ዘይሰለጠሉ ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ደንበ ተቓዉሞ ዘሎ ደላይ ለዉጢ፡ ክፈልጥ መሰል ስለ ዘለዎን


2. ክልቲኦም ኮሚሽነራት፡ ብቐንዱ ድማ ኮሚሽነር ተኽለሰንበት፡ ነዚ ኣብዛ ቕልዕቲ ደብዳበ፡ ከም ጉድለታት ሰፊሩ ዘሎ ነጥብታት መልሲ ክህቡሉን፡ ርእይቶኦም ንህዝቢ ንኽገልጸሉ፡ ወይዉን ክልቲኣቶም ኣብዚ ጉዳይ እዚ፡ መርገጻቶም ንህዝቢ ንክሕብሩ ንምሕታት ኢዩ፡፡

ንንጹር ርድኢት ኪምችእን፡ ንብዙሓት ክለዓሉ ዝኽእሉ ሕቶታት ንምምላስ ክፍተን ምእንቲእዚ ጽሑፍ እዚ ዝርዝራዊ ኮይኑ፡ መእተውን ድሕረ-ባይታን፡ ኣብ መስርሕ ዘጋጠሙ ሽግራት፡ ጉድለታት ኮሚሽነር ተኽለሰንበት፡ ቀጥታዉን ዘይቀጥታዊ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ናይቲ ጉድለታትን መደምደምታን ብዝብሉ ንኡሳን ኣርእስትታት፡ ተመቓቒሉ ክቐርብ ኢዩ፡፡

1.  መእተዊን ድሕረ-ባይታን
ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2010፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ - ኢትዮጵያ፡ ምርጫ ኮሚሽነራት ኣብ ዝተኻየደሉ፡ ዕማማት ኮሚሽን ኣብ ስዊዝ ምስ በዓል ጀርመን፡ ሆላንድን ካልኦት ሃገራትን ተጸንቢሩ ክስራሕ፡ ዝብል ዉዳበ ምርድዳእ ተገይሩሉ፡፡ ብድሕሪዚ፡ 18 ታሕሳስ 2010 ፡ ሓደ ተሳታፊ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ነቲ ዋዕላ ብዝምልከት፡ ኣብ ከተማ ዙሪክ ንህዝቢ ጸብጻብን መግለጺን ሂቡ፡፡ ኣብዚ ኣኼባ እዚ፡ ሓዉ ኮሚሽነር ዳንኤል ወልደትንሳኤ፡ ዕላማታት ሃገራዊ ኮሚሽን ንህዝቢ ንምልላይ፡ ኣብ ዙሪክ ንክመጽእ መደብ ተታሒዙ፡ ምቕርራብ ተገይሩ እ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ኣብቲ እዋን እቲ አጋጢሙ ዝነበረ ሕማቕ ኩነታት ኣየር (በረድ)፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ክመጽእ ኣይከኣለን፡፡ ሓው ተኽለሰንበት እዉን ብወገኑ፡ ምሰ ሓብትና ፍረወይኒ ገብረጻድቕ፡ ኣብ 15 ጥሪ 2011 ናብ Loerrach ( ምስ ስዊዝ  ዝዳወብ  ቦታ ኣብ ጀርመን) ብምምጻእ ንዕላማ ሃገራዊ ኮሚሽን ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ፡፡

ብድሕርዚ፡ አብ 27 ለካቲት 2011 ኣብ ከተማ በርን፡ ዛዛሚ ጸብጻብ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ዋዕላ ንምቕራብን፡ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ - ጨንፈር ስዊዝ ንምምሰራትን፡ ሓበሬታ ጻውዒት ንህዝቢ ኣብ ኢንተርነት ተዘርጊሑ፡፡ ብመሰረት እዚ፡ አብቲ ዕለት እቲ ጸብጻብ ጉባኤ ብተሳተፍቲ ሃገራዊ ጉባኤ ድሕሪ ምቕራብን፡ ዕላማ ሃገራዊ ኮሚሽን ድሕሪ ምግላጽን፡ ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ተኻይዱ፡፡ ብ16 ኣባላት ዝቖመት፡ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ - ጨንፈር ስዊዝ ብሕጋዊ ኣገባብ ተመሪጻ፡፡ እዚዉን ኣብ ወብሳይታት ሃገራዊ ኮሚሽንን ኣሰና.ኮምን ብጽሑፍ ከም ዝቓላሕ ተገይሩ፡፡
2.  ኣብ መስርሕ ዘጋጠሙ ሽግራት
እታ ሽማግለ፡ ድሕሪ ሕድሕዳዊ ሌላ፡ ኩሉቲ ኣባል ኣብ ዕላማታት ሃገራዊ ኮሚሽን ዘለዎ መረዳእታ ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ብሓባር ክብገስ ምእንቲ፡ ፈለማ ነብሲ ወከፍ ኣባል ኣብቲ ዋዕላ ዘለዎ ተረድኦታትን ርእይቶታትን ከም ዝለዋወጥ ገይራ፡፡  ስዒባ ኸኣ፡ ምክፍፋል ስራሕ ብምግባር፡ ንጥፈታታ ጀሚራ፡፡

ኣብቲ ዝሰዓበ ርክባታ ፡ እታ ሽማግለ ኣብ መጻኢ ንእተካይዶ ንጥፈታት፡ ወጻኢታት ስለ ዝህልዉዋ፡ ንዕኡ መሸፈኒ ዝኸዉን ገንዘብ ምዉጻእ ከም ዘድሊ ብኣባላታ መዘኻኸሪ ተዋሂቡ፡፡ ብመሰረትዚ፡  ነቲ ተወፋይነት ባዕላ ብምጅማር፡ ነብሲ ወከፍ አባል ሽማግለ ሓምሳ (50) ስዊዝ ፍራንክስ ክኸፍል፡  ሓሳብ ቐሪቡ፡፡  መዓላ ናይዚ ገንዘብ እዚ፡ ወጻኢታት ክራይ መአከቢ ኣዳራሽ፡ ናብ ዝተፈላለያ ካንቶናት ንህዝቢ ሰሚናር ንምግባር ምንቕስቓስ ኣብ ዝግበረሉ ግዜ ወጻኢታት ትራንስፖርት ኣባላት ሽማግለ ንምሽፋን፡ ካብ ኮሚሽን ንዝመጽእ ኣገደስቲ ጽሑፋት ፎቶ ኮፒ ብምግባር ንደለይቲ ለዉጢ ንምዕዳልን፡ ካልእ ተመሳሳሊ ወጻኢታት ንምሽፋን ተባሂሉ ዝተኣመመ ኢዩ ከኣ ነይሩ፡፡ እዚ ጉዳይ እዚ 17 ሚያዝያ 2011 ከምኡዉን 5 ሰነ 2011 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባታት ኢዩ ተዘቲይሉ፡፡

እዚ ሓሳብ እዚ፡ ብዝበዝሑ አባላት ተቐባልነት ዝረኸበ ክኸውን እንከሎ፡ ሓደ ሓሙሽተ ዝኾኑ ኣባላት ግን፡ ገሊኦም ቅድም ንማሕበር ክንሕብር ኢና፤ ገሊኦም ድማ ክንሓሰበሉ ኢና ኢሎም መልሲ ሂቦም፡፡  በታ ፈጻሚት ሽማግለን በቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ኣባላትን፡ ነቶም ንማሕበር ክንሕብር ኢና ዝበሉ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ናብ ማሕበር ዝወስድ ጉዳይ ኣይኮነን፤ እዚ ከም ኣባላት ናይታ ሽማገለ ንገብሮ ዘሎና ኣበርክቶ ኢዩ፤ ንሓደ ማሕበር ወይ ዉድብ ወኪልና ነዋጽኦ ዘለና ኣይኮነን፡፡ ምናልባሽ ማሕበርኩም እንተሓጊዙኩም፡ ሰናይ፡ ካብኡ ዝተረፈ ግን 50 ሰዊዝ ፍራንክስ፡ ምስቲ ከም ኣባላት ክንዉፈ ትጽቢት ዝግበረልና ብምንጽጻር፡ ብዙሕ ኣይኮነን፡፡ ክንድኡ ከነዋጽእ ከለና፡ ነቲ ተራ ኣባል ደንበ ተቓዉሞ ነብሲ ወከፍ ዓዓሰርተ ስዊዝ ፈራንክስ ክንሓቶውን የጸብቐልና ኢዩ፡፡ ንኣገባብ ኣወጻጽኡኡ ብዝምልከት ድማ፡ ብተሓዝ ገንዘብን ሓላፊ ፋይናንስን ይትግበር፡፡ ጠቕላሊ ተጸባጻቢ ወይ ኦዲተር ድማ ይከታተሎን ይቖጻጸሮን ዝብል መልሲ ተዋሂብዎም፡፡

ገሊኦም ሸዓ ኣብቲ ኣኼባ ምስ ተረኸቡ፡ ዳግማይ ዳርጋ ኣይተቐልቐሉን፡፡ እቶም ዝተረፉ ድማ፡ ብድሕሪኡ ቁሩብ መዓልታት ትርእይ ኣቢሎም፡ ሃጢሞም፡፡ እታ ሽማገለ ዳርጋ ኩሉ ተካይዶ ናይ ዝነበረት ቐንዲ ቐንዲ ኣኼባታት ቓለ ጉባኤ ( ደቓይቕ ) ተታሒዙ ስለ ዘሎ፡ ተወሳኺ ዝርዝራት እንተ ኣድልዩ እዉን ንምቕራብ ይከኣል ኢዩ፡፡ እቶም ምሳና ኣብታ ሽማግለ ዝነበሩሞ ደሐር በብእዋኑ ካባና ናይ ዝወጹ ኣሕዋት ዝርዝር ኣስማት፡- 1. ኪዳነ ገብሩ /ወዲ ገብሩ/ 2. ገብረመስቀል ፍስሓጽዮን /ገሬ/ ክልቲኦም ካብ ካንቶን ቲቺኖ  3. ክፍሎም በየነ ካብ ካንቶን ሽዊዝ   4. ጸጋይ ደስበለ ካብ ካንቶን ሉዘርን 5. ተኽለ ተኪኤን ኢዮም፡፡

ጎድኒ ጎድኒ ዚ ምዕባለታት እዚ፡ ሓደ ካብ ካንቶን ባዝል ዝመጸ ኣባል ናይቲ ሽማግለ፡ ቁሩብ ፍሉይ ብዝመስል ምክንያት ብምቕራብ ኢዩ ካብቲ ሽማግለ ወጺኡ፡፡  እዚ ብሓደ ኣባል ናይታ ሽማግለ ንሓላፊ ኣሃዱ ስርርዕ ተሓጽዩ፡ ግን ክምረዘይከኣለ ሓው ተኽለ ተኪኤኣብ 8 ጉንበት 2011 ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ናይታ ሽማግለ፡ ቕድሚኣ ኣብ ዝነበረት ኣኼባ ቦኺሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡  ኣነ እዚ ሽማግለ ብቐዋሚ ዝሰርሕ እዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ግዝያዊ ኮይኑ፡ ምስ ምዝዛም ጉባኤ ስርሑ ዘብቕዕ ምዃኑ ኣይፈለጥኩን ነይረ። ስለዚ፡ ኣነ ኣብቲ ብዓቕመይ ዝያዳ ከድምዓሉ ዝኽእል፡ ኣብ ምጥርናፍ መንእሰያት ክሳተፍ እየ ዝደሊብምባል ተካኢ ከይሓደገ  ብምውጽኡ፡ ተወሳኺ ሃጉዋፍ ተፈጢሩ፡፡ ብዛዕባ ንምዝርራብ፡ ልክዕ ከምቶም ብጾቱ፡ ኢመይላት ተሰዲዱሉ፤ ስልኪ ’ዉን ተደዊሉሉ፡፡ እንተኾነ ደሃዩ ኣይተረኽበን። ናይዚ ኣባል እዚ ምዉጻእ ከይኣክል፡ ናይቲ ኣብ ዘየለወሉ፡ ብጾቱ የእሚንና ከነምጽኦ ኢና ስለ ዝበሉ፡ ተመሪጹ ናይ ዝነበረ’ሞ ናብቲ አኼባ ሽማግለ ዘይመጸ፡ ኣብ ካንቶን ባዘል ዝቕመጥ ኣባል ኣድራሻ፡ ንኽልእኸልና ሓቲትናዮ’ዉን ኣይለኣኸልናን፡፡

እቲ ብኡ ኣቢልካ ምጥፋእ፡ ኣብ ኣኼባ ኔርካ ኔርካ ምስታፍን፡ ኣዚኻ ዶንጊኻ ምምጻእን ምስ በዝሐ፡ ንሕና ዘይተረዳእናዮ ጌጋ ንፍጽም ወይ ንብድሎም ከይንህሉ ዝብል መረዳእታ በታ ሽማግለ ተታሒዙ። ፊት ንፊት ዘይኮነ፡ ብወረ ወረ፡ ብሕሹኽታ፡ ብስልኪ ጎቦ ጎቦ ዝብሉ መልእኽትታት ክመጹ ጀሚሮም እቶም አብ አኼባ ዘይመጹ ዘለዉ፡ ዘይዕግበታት ክህልዎም ስለ ዝኽእል፡ ነቲ ዘይዕግበታቶም ኣብ ኢመይልና ሕንጥጥ ኣቢሎምልና ክጸንሑ እሞ፡ መደብ ሰሪዕና ከነዘራርቦም ከም እንደሊ ብምሕባር፡ ኣኼባ ጸዊዕና። ቕድሚ ኣብቲ ኣኼባ ምምጻእና፡በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣብ ኣሰራርሓኹም ኣይዓገብኩን ኢሉ ዝጸሓፈልና ኣባል የልቦን። ደሓር እቲ ኣኼባ ምስ ተጀመረውን፡ ዘይዕግበት ወይ ቕር ዘብል ነገራትን ጌጋታትን እንተልዩ ክነግሩና ተወኪስናዮም።እዚኣ እያ እታ ዘየዕገበትኒዝበለና ሓደ ኣባል ኣይተረኽበን።

የግዳስ፡ ኣባላት ሽማግለ በዚ ከይሰልከና፡ ነቶም ወከልቲ ካንቶናት ቲቺኖን ሽዊዝን (ብተዛማዲ ጥቡቕ ርክብውን ስለዘለዎም) ደሃዮም ክንፈልጥ ኣብ ዝጀመርናሉ፡ ብኣካል ምስኣቶም ክንራኸብ ከም ዝደልዩ ብቓል ሓቢሮምና። እታ ሽማግለ ተዘራሪባ፡ ሓደ 4 ዝኾኑ ኣባላት፡ ናብቲ እሳቶም ዘለዉዎ ካንቶን ሽዊዝን ካንቶን ቲቺኖውን ዝቐርቦም ቦታ ብምምጻእ፡ 26 ሰነ 2011 ንክንረኽቦም ድሉዋት
ምዃናን፡ ነዚ ንምግባር ድማ መደብ ከም ዝሓዝናን ብስልኪ ተነግሮም። እንተኾነ፡ ኣብቲ ዕለቲ እቲ ምሳና ንምርኻብ ከም ዘይጥዕሞምን፡ ንዕዑውን ምቕርራብ ከም ዘይገበሩሉን ሓቢሮም። ስዒቡ ካብ ካልእ ምንጭታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ እንተነይሩ ግን፡ ነታ ኣብ መስርሕ ዝጸንሐት ምምስራትማሕበር መንእሰያትብዝምልከት፡ ወግዓውነት ብዛዕባ እትለብሰሉ ኩነታት፡ ምስቶም ካብ ካንቶናት ባዝልን ዙሪክን ዝመጹ መንእስያት ንምምይያጥን፡ መስራቲ ኣኼባ ንምክያድን ከም ዝነበረ በጺሕናዮ።

ንሕና ምምስራት ማሕበር መንእሰያት የሐጉሰና ምበር ኣየግሁየናን እዩ። ወሸለ ተመስሪቱን
ዓንቢቡን!! ንመስርሕ ተቓውሞ ዘቐላጥፍ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ኣብ ዝኻየደሉ፣
ብዉሑዱ ንያታዊ ሓገዝ ክንህብ ባህ ምበለና!! ተኾነ፡ ናብቲ ኣኼባቲ ቕድሚ ምኻዶም፡ ምሳና ብተለፎን ተዘራሪቦም ከብቕዑ፡ ብዛዕባ ኣኼባኦም ወስ ኣየበሉልናን። እዛ ተመስሪታ ዝተባህለት፡ ኣብ Facebook ዝተቓልሐትማሕበር መንእሰያት ሕጋዊ ሰብነት ለቢሳ ዲያ ኣይለበሰትን? ለቢሳ
እንተኾይና፡ ኣበየናይ መንግስታዊ በዓል መዚ ተመዝጊባ? ወይ ክንደይ ንጡፋት(active)
ወይውን ልኡማት (passive) ኣባላት ኣለዉዋ? ብወገንና ብወግዒ ንፈልጦ ነገር የብልናን።

ኣብዚ ሓጎጽጎጽ ዝበዝሖ መስርሕ እዚ፡ ካልእ ባህ ዘየብል ኩነታት እዉን ተፈጢሩ ኢዩ፡፡ ወዮ ቶም ብሓንሳብ ንኸጠራነፉ፡ ምቕርራብ ክገብሩ ዝጸንሑ መንእሰያት፡ አብ ሞንጎኦም ምርድዳእ ተሳእነ፡፡ ከም ሳዐቤኑ ድማ፡ ኣብ መስርሕ ዝነበረ ጉዳይ ምንዳፍ መመሓደሪ ሕጊ ማሕበር፡ ገና ከይተጻፈፈ እንከሎ፡ ኣብ ክልተ ጉጅለ ተገምዑ፡፡ እዚ ድማ ነቲ መሪሕነት ማሕበር ናይ ምምራጽን ምስኡ ዝኸይድ ካልእ መስርሓትን ከም ዝደናጎይ ገበሮ፡፡ ካልእ ክህሉ ዝክእል ተወሳኺ ፍልልያት አረኣእያ ኣይነበረን ንምባል ዘጸግም እኳ እንተኾነ፡ እቲ ሓደ ጉጅለ ምስ ሽማግለ ተሓባቢሩ ክሰርሕ ዝደልይ፡ እቲ ካልእ ጉጀለ ድማ፡ ምስ ኮሚሽነር ተኽለሰንበት ተኣሳሲሩ ክኸይድ ዝደሊ ኮነ፡፡

3.  ጉድለታት ኮሚሽነር ተኽለሰንበት ተኽላይ

ኣብዚ ብኮምሽን ዞባ ኣውሮጳ (ጀርመን)፡ ብኣውርኡ ድማ ሓው ኮሚሽነር ተኽለሰንበት፡ 3 ጌጋታት ተፈጺሙ፡ ዝብል ገምጋም ወሲድና።

. ርግጽዩ፡ ሓደ ሓደ መንእሰያት፡ ናይ ነገር መንእሰይ፡ በቲ ዘለዎም ውዑይ ደም ተደፋፊኦም፡ ኣብቲ ኮሚሽን ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፡ ክሕወሱ ከም ዝደልዩ ብምግላጽ፡ ንኮሚሽነር ተኽለሰንበት ይኹን ንኻልኦት ኣብ ዝዉከሱሉ፡ ኮሚሽነራት ሓንጎፋይ ኢሎም ክቕበልዎምን ከተባብዕዎምን ባህርያዊ ነገር ጌርና ንወስዶ። ምእንቲዚ፡ ንምንታይ ርክባት ኣካይዶም ኣይንብልን። ኣይግባእን ከኣ።

ኣብቲ 19 25 ሰነን 2011 ብተጠቓሲ ኮሚሽነር ተጻሒፉ፡ ኣብ መስከረም.ነት ዝተረኽበ ጽሑፍ፡ ገለ ሸነኽ ካብ ስዊዘርላንድ ክራኸቡና ጸኒሖም ዝብልን ካልእ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ መልእኽቲ ይርከቦ፡፡ ዕማማት ሃገራት ሆላንድን ስዊዘርላንድን ምስ ኮሚሽነራት ኣብ ጀርመን ተጠርኒፉ ክሰላሰል ዝተበጽሐ ስምምዕ ምንባሩ ጠቒሱ ከብቕዕ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ዘለዉ ብቑጽሪ መንእሰያት ዝዓብለሉ ተቓወምቲ፡ ኣብ በርን ኣብ ዝተሳተፉላ ኣኼባ፡ ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርጸት፡ ኣብ ሞንጎ ህዝብን ኣካላት ኮሚሽንን ከም ድልድል ኮይና ከተገልግልዝቖመት፡ ሽማግለ ህዝቢ ንጉባኤ - ጨንፈር ስዊዝ ኣይተወከሰን፡፡ እታ ሽማግለ ብደዋ እንከላ፡ ንዓዓ ክንዲ ምዉካስ 1 - 2 ሰባት ቴለፎን ናብ ኮሚሽነር ስለ ዝደወሉ፡ ከምኡ ዓይነት ጸብጻብ ምቕራቡሲ፡ ነቲ ቓልሲ ዉዱብ ወይ ዉሁድ ይገብሮ ? ኣይፋሉን፡፡ እዚ ደረትካ ሰጊርካ ኣብ ዘይዋኒንካ ኣቲኻ ምሕማስ ኢዩ፡፡

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ፡ ሽማግለ ህዝቢ ንጉባኤ - ጨንፈር ስዊዝ ክምስረት ምዃኑ ኣብ ኣስና.ኮምን ካልእ ወብሳይትን ተቓሊሑ። እዚ ኩነታት ከሎ እዩምበኣር፡ እታ ፈለማ ምናልባሽ ተጠቓሲ ኮሚሽነር ብግርህነቱ ፈጺምዋ ዝነበረት ርክብ፡ ብኣኣ ቐጺሉ፡ ናብ ዓቢ ጌጋ ዘሰጋገራ። ንሕና ብእንፈልጦ፡ እቶም ምስኡ ርክብ ክገብሩ ዝጸንሑ መንእሰያት፡ ብቐንዱ ካባና ዝተፈንጨሉ ኢዮም። እንተኾነ፡ ምስታ ሽማግለ ህዝቢ ብሓባር ስርሑኣይተባህሉን።  ከምኡ ስለ ዘይተባህሉ ድማ፡ እቲ በብኣንፍኻ ዝግበር ርክባት ቀጺሎምሉ። ክንዲ ዝኾነ፡ እታ ሽማግለ ህዝቢ፡ ነቲ ኣብ ስዊዝ ዘሎ ተቓዋሚ ደንበ፡ ኣወሃሂዳን ጠሚራን ንኽትሰርሕ ዓቢ ዕንቕፋት ኣጋጢምዋ። በዚ ኸኣ፡ ኣሰራርሓ ናይቲ ኮሚሽነር፡ ኣካል ናይቲ ፍታሕ ዘይኮነ፡ ኣካል ናይቲ ጸገም ክኸውን በቒዑ።

ለ. እታ ሽማግለ ህዝቢ፡ ተገዛዚዕካ ቓልሲ ከም ዘየዐውት፡ ብዓንተቦኡ ስለ ዘስተብሃለትሉ፡ ምስቶም ተፈንጪሎም ምስ ኮሚሽነር ተኽለሰንበት ርክባት ከካይዱ ዝጸንሑ ሰባት፡ ከም ኮሚሽነር መጠን ሓላፍነት ወሲዱ፡ ንክልቴና ኣብ መኣዲ ዘተ ንኸምጻና፡ ብተደጋጋሚ ብጽሑፍ ሓቲትናዮ ኣይመለሰን፡፡ እንተመለሰ ኸኣ፡ ኣዝዩ ዱንጉይ፡ ልኡምን ካብ ዉሳነ ምሃብ ዝረሓቐ ብሙኻኑ ኢዩ፡፡።

ብተወሳኺ፡ እቲ ጸገም ገና ከይተፈትሐ እንከሎ፡ ምስቶም መንእሰያት ብዛዕባዚ ጉዳይ እዚ ከየራኸበና ጸኒሑ ክነሱ ኣኼባ ናይ Local Committees (Europe) ብዝብል፡ ሽማግለታት ህዝቢ ኣብ ኣዉሮጳ ኣብ ዘለዉሉ፡ ንዓናን ንዓዓቶምን ኣብ ኣኼባ ፓልቶክ ጸዊዑና። እቶምንመንእሰያት ወኪልና ኢናዝብሉ ሰባት ወከልቲ ሽማግለ ህዝቢ ስለ ዘይኮኑ፡ እታ ሽማግለ ህዝቢ፡ ካብቲ ኣኼባ ንኽወጹቲታ። በዚ ኸኣ እቲ ኣካል ናይቲ ጸገም ኮይኑ ዝጸንሐ ኣዝዩ ዝሕቱል ኣሰራርሓ ናይቲ ኮሚሽነር ተጋደደ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ በቲ በቲ ንኽብሪ ናይቶም ወከልቲ Local Committees ኮሚሽነራትን ኣውሮጳ ክንብል፡ በቲ ኸኣ ንገሌና ማይክሮፎን ስለ ዝኣበየትና፡ ኣዝዩ ሓፈሻዊ ዝኾነ ጸብጻብ ጥራሕ ብምምሕልላፍ፡ ኣብቲ ካብ ኣኼባ ንኽወጹ ዘቕረብናዮ ጠለብ ኣይነቐጽናን። ነቲ ዓቢ ስእሊ ዝያዳ ሚዛን ሂብናዮ፡፡

. ኣሰራርሓና ንምጽፋፍ ክሕግዝ ይኽእል ብዝብል መንፈስ፡ ኮሚሽነራት ሓው ዳንኤል
ወልደትንሳኤን ሓው ተኽለሰንበት ተኽላይን፡ ክሳብ ሕጂ ምሳና ርክብ ከካይዱ ምጽንሖም
ብምጥቃስ፡ ንጉዳይ ተሓታትነት ግሉጽነትን ንምንጻር ክከኣል ምእንቲ፡ ሽማግለ ህዝቢ ንጉባኤ -
ጨንፈር ስዊዝ ተጸዋዕነታ ናብ ኣየናይ ክፋል ኣውሮጳ ኢዩ? ማለት ናብ ኮሚሽነር ኣብ ጀርመን ዲዩ
ዋላስ ናብ ኮሚሽነር ኣብ UK? ዝብል ሕቶ ብጽሑፍ ኣቕሪብና። ንኣንበብቲ ከም ሓበሬታ ክኾኖኩም፡ ክልቲኦም ኮሚሽነራት ይረኽቡና ብምንባሮም፡ ጸብጻብ ርእይቶታት ኣብ ፖለቲካዊ ሰነዳት ኮሚሸን እዉን ንክልቲኦም ኢና ንሰድድ ኔርና፡፡ ብዝኾነ፡ ንተጸዋዕነትና ብዝምልከት ንዝሓተትናዮ ሕቶ፡ ካብ ክልቲኣቶም፡ ብጽሑፍ ዝረኸብናዮ መልሲ ኣይነበረን። ብቴለፎን፡ ሓው ተኽለሰንበት፡ደሓን እስኻትኩም ኢኹም እትዉስንዎ። ዝምእመኣኩም ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ምሳና ኣብ ጀርመን ክትኮኑ ትኽእሉ። ምስ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለዉ ኮሚሽነራትውን ክትኮኑ ትኽእሉ፡፡ዝብል መልሲ ኢና ረኺብና። ጸወታ ምስ ተጀመረ ደኣሞ፡ ሕጊ ጸወታ ይቕየር ዲዩ?

በሉስኪ ኣንበብቲ ናይዚ ጽሑፍ፡ ወከልቲ ማሕበር መንእሰያት ኢናዝብሉ ምስ ኣብ ጀርመን ዘሎ ኮሚሽነር ክጥርነፉ፡ ንሕና ሽማግለ ህዝቢ ንጉባኤ ድማ፡ ንበል ምስ ናይ UK ዘሎ ኮሚሽነር ክንጥርነፍ ግቡእ ወይ ኣገባብ ዲዩ? ዉዱብ ወይ ዉሁድ ቃልሲ ዶኸ ከብል ይኽእል? ዕማም ኮሚሽን ሓድሽ ተሞክሮ ብሙኻኑ፡ ኣብ ትግባረ ነቓዕ ክፍጠር ዝኸእል እ እንተኾነ ማዕረ ክንድ ዝኣክል ሃጓፍ ኣሎዎ ? ብወገንና፡ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ፡ ክሳብ ክንድኡ ዝኣክል ሃጓፍ የብሉን ንብል። እቲ ጉድለት ዘለዎ ኣገባብ ኣሰራርሓ ኮሚሽነር ፡ ነቲ ክህሉ ዝኽእል ምጡን ሃጓፍ መሊሱ ኢዩ ኣግፊሕዎ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ዓይነት ኣሰራርሓ ከኣ፡ ነቲ ዝጸንሐ ሽግር ከምዝገድድ ገይሩ

4.  ቀጥታዉን  ዘይቀጥታውን ኣሉታዊ  ሳዕቤናት ናይቲ ጉድለታት

ሀ. እታ ሽማግለ ዓቕምታት ደለይቲ ለዉጢ ብምዉህሃድን ብምዉዳብን ሓንጺጻቶ ዝነበረት መደብ ጎስጉዋስን ተዛማዲ ንጥፈታትን ከምቲ ዝደለ ክስጉም ኣይከአለን፡፡

ለ. ናብ ሓባር ዉራይ ጉባኤ ክካየድ እንዳተባህለ፡ አብ ክንዲ እንዳተመላለአ ንቕድሚት ዝኸይድ ሓይልታት፡ ሓደ ዘላግስ ሓይሊ ተፈጢሩ፡፡ 

ሐ. ኣብቲ ኣብ 21 ነሓሰ 2011፡ ኣብ ፓልቶክ ዝተኻየደ ርክብ፡ ምስታ ሽማግለ ርክብ ንምፍጣር ዘድልዩ ኣወሃሃድቲ ካብ መንእሰያት ንኽመዙ 2 ሰሙን ተዋሂቦም፡፡ ከይመዘዙ ኣቕቢጾም፡፡

መ. ኣብ 10 መስከረም 2011፡ እቶም መንእሰያት ኣብ ካንቶን ሉዘርን ኣብ ዘዳለዉዎ መደብ፡ ሽማግለ ህዝቢ ተዓዲማ፡ ኣብ ዝተሳተፈትሉ እዋን ዘቕረበቶ፡ ተደጋጊፍካ ናይ ምስራሕ ሓሳብ፡ በቶም መንእሰያት ብኡ ብኡ ተነጺጉ፡፡ 
5.  መደምደምታ

ኣብቲ ኣመዛዝና ጉድለታት፡ ንተሞክሮን ጽፍሒ ሓላፍነትን ኣብ ግምት የእቲና ደኣ ኣብ ኮሚሽነር ተኽለሰንበት ተኽላይ አቶኪርና እምበር፡ እቶም ምስኡ ርክብ ዝገብሩ ዝነበሩ ወይ ሕጂዉን ዝገብሩ ዘለዉ፡ ንማሕበር መንአሰያት ንዉክል ኢና ዝብሉ፡ ካብ ኣበር ናጻ ኢዮም ማለትና ኣይኮነን፡፡ ብተብተብ ማሕበር መንእሰይ ኣቁምካ፡ ነታ ብሕጋውን ዲሞክራሲያውን ኣገባብ ዝተመርጸት ሽማግለ ከምዛ ዘየላ ኣምሲልካ፡ ሰንሰለት ርክብ በቲኽካ፡ ምስ ሓደ ርእዩ ከም ዘይረኣየ ክኸዉን ዝደሊ ኮሚሽነር ምቑራን፡ ቕኑዕ ኣይመስለናን፡፡
ወዮ ደኣ ሕጂ እቲ ኩነታት ይቕየር ኣሎ እምበር፡ ልኡካት ስርዓት ዉልቐ መላኺ ዝዕወቱልና ዝነበሩ፡ ሓቒ ስለ ዝሓዙ ወይ ድማ ንፍትሒ ስለ ዘቓለሱ ኮይኖም ኣይኮነን፡፡ ተግባራቶም ዘበለ ኩሉ እከይ ዶ ኣይኮነን! እንታይ ደኣ፡ ኣዝዮም ዉዱባትን ዉሁዳትን ስለ ዝኾኑ እዮም፡፡ ንሕና ከአ፡ ካብቲ ዝፈላልየና /ምናልባሽ እንተልዩ/ ዝጠምረና ስለ ዝበዝሕ፡ በብቲ ነድምዓሉ ዓዉዲ ቓልሲ እንዳተሓጋገዝና፡ ዘይንሰርሓሉ ምኽንያት ኣይነበረን፡፡
ኣብ መደምደምታ፡ ከምቲ ፈለማ ኣብቲ መእተዊ ዝተጠቕሰ፡ እቲ ዕላማ ናይዚ ጽሑፍ፡ ንደለይቲ ለዉጢ ብዝከኣል መጠን፡ እኹል ሐበሬታ ንምሃብ ኮይኑ፡ ኮሚሽነር ተኽለሰንበት ድማ ብዛዕባቲ ኣሰራርሕኡ ተዋሂቡ ዘሎ ገምጋም ወይ ተጠቒሱ ዘሎ ጉድለታት ኣመልኪቱ፡ ግብረ መልስን ርእይቶኡን ንህዝቢ ንኽገልጽ ንምሕታት እዩ፡፡ ተስፋ ንገብር ድማ፡ ኮሚሽነር ተኽለሰንበት፡ እዛ ደበዳበ እዚኣ፡  ናይተን ቕድሚ ሕጂ ብኢመይል ዝተላእካልካ ብዙሓት ካልኦት ብጾታ ዕጫ፡  ከየጋጥማ፡፡ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ፡ ሓዉ ኣምሃ ዶመኒኮ  እዉን ብወገንካ፡ ነቲ ጉዳይ ብመጠኑ እዉን ይኹን ስለ እትፈልጦ፡ ካባኻ እዉን ተመሳሳሊ ግብረ- መልሲ ንጽበ፡፡ ነመስገን ከኣ፡፡
ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ!!!
ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ - ስዊዝ
14 ሕዳር 2011
ደለይቲ ለዉጢ ንርእይቶታትኩም ኢመይል  nshmagleswiss@yahoo.com

ليست هناك تعليقات: